ጅቡቲ፣ ሰራዊት ቻይና ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይድ

ጅቡቲ፣ ሰራዊት ቻይና ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይድ

Radio Erena: 16 May 2018

China army in Djibouti

ኣብ ጅቡቲ ዓድኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ቻይና ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

እቲ ብ12 ግንቦት ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ 40 ዲግሪ ሰንትግሬድ ኣብ ዝበጽሕ ሙቐትን ኣጻእምንእ ክካየድ ንዝኽእል ናይ ምትኳስ ዓቕምን ውሁድ መጥቃዕትን ዘተኮረ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ቻይና ንወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ብምጥቃስ ገሊጸን።

ዕላማ እቲ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ህጹጽ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ እተን ማዕከናይት ዜና ኣመልኪተን።

ቻይና፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ካብ እተቕውንም ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ልምምድ ከተካይድ ብውሕዱ ንሳልሳይ እዋና’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ጅቡቲ ወትህደራዊ ልምምድ እተካየድ ዝነበረት ኣመሪካ፣ ጠንቂ ምውዳቕ ናይተን ኣብ ልምምድ ዝነበራ ነፈርታ፣ ካብቲ ናይ ቻይና መዓስከር ዝዘሮቐ ጨረር ምዃኑ’ያ ትወቕስ።

ቻይና ነቲ ናይ ኣመሪካ ወቐሳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0