ጅቡቲ፣ ምስ ቀጠር ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ቀኒሳ

ጅቡቲ፣ ምስ ቀጠር ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ቀኒሳ

Radio Erena: 09 June 2017

Djibouti Qatar

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ኣብ ቀጠር ዝነበሩ ኣባላት ኤምባሲኡ ከጉድል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እቲ መንግስቲ ብ7 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ኣብ ቀጠር ዝነበሩ ናይ ዲፕሎማሲ ወኪላቱ ከጉድል ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ መርኣያ ደገፍ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ዓረብ ኣንጻር ቀጠር ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺ ምዃኑ ጠቒሱ።

ጅቡቲ ምስ ቀጠር ጥቡቕ ዝምድና ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

 ነቲ ኣብ ሰነ 2008 ዝተጎሃሃረ ግጭት ኤርትራን ጅቡትን፣ ቀጠር ክትሽምግሎን ናብቲ ዘሰሓሓበ ከባቢታት ተዓዛቢ ሰራዊት ክትልእኽን ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ምኽንያት’ውን፣ ክልቲኤን ሃገራት ምስ ቀጠር ብዝነበረን ጽቡቕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምዃኑ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር፣ ኤርትራ ሒዛቶም ዝነበረት ኣርባዕተ ምሩዅት ኵናት ጅቡቲ ኣብ መጋቢት 2016 ድሕሪ ምፍናዋ፣ ቀጠር’ውን ብኡ ንብኡ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ብምዝሕታል፣ ናብ ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት እተካይድ ንዝነበረት መንገዲ ኣየር ቀጠር ደው ንምባል ከምዝወሰነት ይዝከር።

እቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ጉዳያ ዶብ ወግዓዊ ሕጋዊ መዛዘሚ ከይተገብረሉ፣ እዘን ሃገራት ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ብምዝሕታሉ፣ ነቲ ኩነታት ናብ ድሕሪት ከይጎቶ ስግኣታት ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0