እስራኤል ን200 ተወላዶ ዳርፉር ዑቕባ ክትህብ’ያ

እስራኤል ን200 ተወላዶ ዳርፉር ዑቕባ ክትህብ’ያ

Radio Erena: 09 June 2017

Darfur Israel

እስራኤል፣ ኣስታት 200 ንዝኾኑ ተወላዶ ዳርፉር ዑቕባ ክትህብ ምዃና ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እታ ሃገር ንሓተቲ ዑቕባ ብእኩብ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክትህብ ኣብዚ 10 ዓመት ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

እቶም ኣብ እስራኤል ዑቕባ ተዋሂብዎም ዘሎ ሱዳናውያን፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ብምሓዝ ናይ ስራሕን ውሕስነት ጥዕናን ዝኣመሰለ መሰላት ማሕበራዊ ድሕነት ክሕለወሎም’ዩ።

ኣብ እስራኤል፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ መንግስቲ እስራኤል ግና ከም ሓተቲ ዑቕባ ክቕበሎም ፍቓደኛ ኣይኮነን።

 ኣብ ሃገር በብእዋኑ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን ክነጽግ ዝጸንሐ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንዜጋታት ሱዳን ብእኩብ ዑቕባ ምሃቡ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩነታት ኤርትራን ዘለዎ መርገጺ ዘነጽር’ዩ ክብሉ ሓያለ ኤርትራውያን ስምዒታቶም ይገልጹ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገር ንኽወጹ ንምግዳዶም፣ ዝተፈላለየ ሜላታት’ዩ ክጥቀም ጸኒሑ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ድማ፣ እቲ መንግስቲ፣ ሓተቲ ዑቕባ ብፍቓዶም ካብ እስራኤል ክሳብ ዝወጹ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ብግዴታ ሃጊሩ፣ ኣብ ባንክታት ከቐምጦ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0