ጅቡቲ፣ ሓድሽ ወደባ ንዝጥቀሙ ተገልገልቲ ናይ 45 ሚእታዊት ምጉዳል ዋጋ ጌራ

ጅቡቲ፣ ሓድሽ ወደባ ንዝጥቀሙ ተገልገልቲ ናይ 45 ሚእታዊት ምጉዳል ዋጋ ጌራ

Radio Erena: 08 December 2017

Doraleh

መንግስቲ ጅቡቲ ሓድሽ ኣብ ዝሃነጾ ወደብ ዶራለ ንዝጥቀሙ ተገልገልቲ፣ ናይ 45 ሚእታዊት ናይ ዋጋ ምጉዳል ከምዝገበረ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ወደብ ዋሂብ ዳሂር ዓደን፣ ኣብቲ ሓድሽ ወደብ ምብጻሕ ንዝፈጸሙ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

እዚ መንግስቲ ጅቡቲ ጌርዎ ዘሎ ገዚፍ ናይ ዋጋ ምጉዳል፣ ነታ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይ እትልእኮን እተእትእትዎን ኣብ ወደባት ጅቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ ዓቢ ብስራት’ዩ።

ብልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝተሃንጸ ወደብ ዶራለ፣ ንኣገልግልት ድልው ካብ ዝኾነሉ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ልዕሊ 200 ናይ ጽዕነት መራኽብ ኣተኣናጊዱ ኣሎ።

እቲ ወደብ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ዝህባ መርከብ ከከም ዓይነቱ ካብ 17 ክሳብ 25 ሽሕ ዶላር ከምዝበጽሕ’ዩ ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣቀዲማ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ወደብ ጅቡቲ ናይ 45 ሚእታዊት ናይ ኣገልግሎት ዋጋታት ወሰኽ ጌሩ ክትብል እኳ እንተሓበረት፣ ድሒራ ግና ነቲ ዜና ብምእራም፣ እቲ 45 ሚእታዊት ወሰኽ ዘይኮነ ምጉዳል ዋጋ ምዃኑ ገሊጻ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0