ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊን ሓዋላን ተዋፊሮም ንዘለዉ ሰባትን ትካላትን ትሃድን

ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊን ሓዋላን ተዋፊሮም ንዘለዉ ሰባትን ትካላትን ትሃድን

Radio Erena: 08 December 2017

sudan finance

ብምንቁልቋል መጠን ሸርፍን ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ባጤርኣን ኣብ ሻቕሎት እትርከብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባትን ትካላትን ትሃድን ከምዘላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ባጤራን ሓዋላን ብዝምልከት ሓድሽ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ከም ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ዝኣመሰሉ ንቁጠባዊ ሃገር ዝኣስዩ ዘለዉ ምንቕስቓሳት ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን መሓምድ ዑስማን ኣል ሪካቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ካብ ውስጥን ወጻእን ንዝግበር ምንቅስቓስ ባጤራ ብጽኑዕ ክትከታተሎ ምዃና ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓሚድ ማናን ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ተዋፊሮም ዝርከቡ 37 ትካላትን ውልቀሰባትን ተለልዮም ከምዘለዉ ኣነጺሩ።

መንግስቲ ሱዳን ነቶም ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ዘይሕጋውያን ሸርፍን ሓዋላን ተዋፊሮም ዘለው ውልቀሰባትን ትካላትን ኣብ ዝሃድነሉ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ካብኣቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ናብ ዱባይን ከምዝሃደሙ ጸብጻብ ሬድዮ ዳባንጋ የመልክት።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብከሰላ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲን ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራን ከምኡ ድማ ጸጥታ ዶባት ብዝምልክተ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ብ22 ሕዳር ከምዘዘራረቦ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ካብ ከሰላ ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ከም ፊኖ፣ ዘይቲ፣ ነዳዲን ካልእን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራትን ከምኡ ድማ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንቁጠብኣ ይሃስዮ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0