ጃፓን ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራ ከተስፍሕ’ያ፣ ህንዲ’ውን ክትጥቀመሉ’ያ

ጃፓን ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራ ከተስፍሕ’ያ፣ ህንዲ’ውን ክትጥቀመሉ’ያ

Radio Erena: 16 November 2018

Indo Japan

ጃፓን፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ ብ ጅቡቲ ዝሃነጸቶ ወትህድራዊ መዓስከር ከተስፍሕ ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ጃፓን፣ ህንዲ’ውን ክትጥቐመሉ ምዃና መርበባት ሓበሬታ ክልትኤን ሃገራት ይገልጻ ኣለዋ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብ ከተማ ቶክዮ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 13 ዋዕላ ጃፓንን ህንድን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣበ ምስ ህንዳዊ መዘንኡ ናረንድራ ሞዲ ብምርኻብ ኣብ ንግዳውን ወትሃደራውያን ጉዳያት ክተሓጋገዙ ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ’ዩ።

ጃፓን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ናይ ቻይና ተበግሶ፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ምኽፋታ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ምስ ህንዲ ብምልፋን፣ ኣብቲ መዓስከር ክተሓጋገዛ ተወሳኺ ምይይጥ ኣብ ምክያድ ከምዝርከባ’ዩ ዝንገር።

እቲ ምትሕግጋዝ ብዝያዳ ኣብ ሎጂስቲካዊ መዳይ ከምዘተኮር’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ናይዘን ክልተ ሃገራት፣ ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ንቻይና ስግኣት ዝፈጥር ከምዘይኮነ ብክልቲኦም ወገናት ይጠቕስ እኳ እንተሎ፣ ቻይና ሽቅሎት ከይፈጠረላ ግና ኣይተርፍን ይብሉ ተንተንቲ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ክልትኤን ሃገራት ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0