ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንትሽዓተ ዓመታት ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒልዎ

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንትሽዓተ ዓመታት ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒልዎ

Radio Erena: 15 November 2018

eri_unscባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንትሽዓተ ዓመታት ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ ትማሊ ሮቡዕ 14 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣልዒልዎ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ነቲ እገዳ ዘልዕል ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ቀወምትን 10 ዘይቀወምትን ኣባላት እቲ ባይቶ ምሉእ ድጋፍ ብምርካብ’ዩ።

እቲ ባይቶ፣ ኣቐዲሙ ብብሪጣንያ ንዝቐረበ ንድፊ ከምዘለዎ ብምቕባል፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ይኹን ካልእ ምስ መገሻ ሰበ ስልጣናትን ምድስካል ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረትን ብምሉኡ ክእለ ወሲኑ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ባይቶ ንዕማም ተቖጻጻሪ ጉጅለ ናብ ናይ ክኢላታት ፓነል (መኣዲ ዘተ) ኣውሪድዎ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ ውሳኔ ዝህሉ ምዕባለታት፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ 15 ለካቲት ጸብጻቡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርብን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከኣ ምክትታል ክህሉን ኣብ ዝብል መደምደምታ ተበጺሑ ከምዘሎ ሮይተርስ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንትሽዓተ ዓመታት ዝጸንዐ እገዳ ዝልዓል ዘሎ፣ ኤርትራ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ተበግሶ ሰላም ብምቕባላን ምስ መንግስቲ ሶማል’ውን ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ ብምጅማራ’ዩ።

ምስ ጅቡቲ ዝተጀመረ ሰላም’ውን ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተዓተወት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ንክልትኦም መንግስታት ብምቅርራብ ናብ ሰላምን ዕርቅን ንምብጽሖም ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ምድጋፍ ሶማላውያን ዕጡቓት ብዝተሓሓዝ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ምስ ጉዳይ ጅቡቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ 2011 ክልተ እዋን እገዳ ከምዝተነብረሉ ኣይርሳዕን።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0