ጃፓን፣ ካብ 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 28 ሰባት ጥራይ ተቐቢላ

Radio Erena: 14 February 2017

Japan

ጃፓን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 28ሰባት ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃበት ተገሊጹ።

ሮይተርስ ንጸብጻብ መንግስቲ ጃፓን ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ዓመተ 2016 ኣብታ ሃገር 10,901 ሰባት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብምጥቃስ፣ እዚ ብዝሒ’ዚ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ44 ሚእታዊት ከምዝዛየደ ኣነጺሩ።

ኣብ ዓመተ 2015፣ ሓደ ኤርትራዊ ንዝርከቦም 27 ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሃበት ጃፓን፣ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 28 ሰባት ዑቕባ ሂባ ኣላ።

ሸውዓተ ካብቶም ዑቕባ ዝተዋህቡ 28 ሰባት ኣፍጋኒስታናውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣርባዕተ ድማ ዜጋታት ኢትዮጵያ ይርከብዎም።

ኣብ ጉዳይ ሳገምትን ስደተኛታትን ተሪር መርገጺ ዘለዋ ጃፓን፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ሰባት እትህቦ ዑቕባ ከተዛይድ ብሕቡራት ሃገራት ንዝቐርበላ ጻውዒት ብተደጋጋሚ’ያ ትነጽግ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0