ጂቡቲ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶታ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ተሓቢሩ

Radio Erena: 21 May 2023

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጂቡቲ ዓመታዊ እቶታት ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ሓቢሩ።

እታ ሃገር ዓመታዊ ካብ እትርከኽቦ ጃምላዊ እቶት፣ ካብ ወደብ ዝርከብ ኮይኑ፣ ንኢትዮጵያ ካብ እትህቦ ኣገግሎት ጥራይ ዓመታዊ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ካብ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን፣ ክራይ ናይቲ ኣብ ገማግም ባሕራ ዘለወን ወትሃደራዊ መዓስከራት’ውን ብጠቕላላ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ ከምእትረኽብ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ዝተረፈ ኣታዊታት እታ ሃገር፣ ካብ መሸጣ ከብት፣ ጤለበጊዕን ኣግማልን ናብ ሃገራት ዓረብ፣ ሓዋላን ካልእ ንኣሽት ንግዳዊ ምንቅስቓሳትትን ዝርከብ’ዩ።

ጂቡቲ ምስ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር፣ ጃምላዊ ዓመታዊ እቶታ፣ ብናይ ትሕቲ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ መምዘኒ ብርኩት እኳ እንተኾነ፣ ዜጋታታ ዝተማልአ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0