ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ናይጀርያን ቡርኪና ፋሶን ኣብ ዝተኻየድ ግጭታት ብውሕዱ 140 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 21 May 2023

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ናይጀርያን ቡርኪና ፋሶን ኣብ ዝተኻየደ ግጭታት ብውሕዱ 140 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢረን።

ኣብ ናይጀርያ፣ ዞባ ፕላቶ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ጓሶትን ብዝተወለዐ ግጭት ልዕሊ 100 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣማኢት ካልኦት ድማ ብከቢድ ፎኵሲን ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ በቲ ቀቢላ ዝመበገስኡ ግጭት ልዕሊ 1000 ኣባይቲ ተቓጺሉ፣ ኣሽሓት ስድርራቤታት ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ተበታቲኖ ይርከቡ።

እቲ ዞባ ብዘይካ’ቲ ዘለዎ ናይ ቀቢላ ምክፍፋል፣ ምስ ሃይማኖት ብተሓሓዘ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸል ምትፍንናን ከምዝጸንሖ ይፍለጥ።

ሓይልታት ጸጥታ ዞባ ፕላቶ፣ እቲ ግጭት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ህድኣት ከምዝዘሎን እኳ እንተሓበሩ፣ ነበሪ ሓያሎ ቁሸታት ግና እቲ ወጥሪ ገና ከምዘይሃድአ’ዮም ዝገልጹ።

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ናይጀርያ፣ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሽበራዊ ጉጅለታት፣ ዜጋታታት ግዳያት ሞትን መጭወይቲን ካብ ምዃን ኣየዕረፉን።

ኣብ ተመሳሳሳሊ ፍጻሜ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገረ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ዝተኸስተ ተመሳሳሊ ግጭት’ውን ብውሕዱ 40 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ግጭት ምስ ማሊ ኣብ ዘዋስን ሰሜናዊ ዞባ የተንካን፣ ምስ ቶጎን ጋናን ዘዳውብ ደቡባዊ ሸነክ ዞባ ኩልፐሎጎን፣ ኣብ ዝተባህለተ ከባቢታት ከምዝተኻየደ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ሃይማኖትን ሽበራን ከምዝተሓሓዝ ጠቒሰን።

ምንቅስቓስ ጂሃድ ከምዘካይዱ ዝተገልጹ ዕጡቓት፣ ኣብ ክልቲኦ ዞባታት ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ሓያሎ ቁሸታት፣ ብ18ን 19 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕታት፣ ዛጊት ቁጽሮም ብልዕክ ዘይተሓበረ ሰባት ‘ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ቡርኪና ፋሶ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መስከረም 2022 ዝተኻየወ ወትህደራዊ ዕልዋ፣ መላእ ጸጥታ እታ ሃገር ክወውሕ ዝኽእል፣ ርጉእ መንግስቲ ከምዘይብላ’ዩ ዝፍለጥ።

ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ዝርከባ ሃገራት፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ምስ ሽበራ ዝተተሓሓዘ ጸጥታዊ ስግኣት ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0