ጂቡቲ፣ ዓቕሚ ሓይሊ ባሕራ ንምዕባይ ኣርባዕተ መራኽብ ኵናት ሸሚታ

Radio Erena: 25 November 2021

ሓይሊ ባሕሪ ጂቡቲ፣ ዓቕሙ ንምዕባይ፣ ኣርባዕተ ዘመናውያን መራኽብ ኵናት ከምዝዓጠቐ ተገሊጹ።

እተን መራኽብ ብ22 ሕዳር ናብ ወደብ ጂቡቲ ኣብ ዝኣተዋሉ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን፣ ናይ ኣቐባብላ ጽምብል ምክያዶም መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ገሊጻ።

እተን ኣብ ሓለዋ ባሕሪን ምምልላስ ኣጽዋርን ወትሃደራትን ከገልግላ ዝኽእላ መራኽብ ኵናት፣ ብናይ ርሕቀት መቆጻጸሪ ንምክትታሉ ዝከኣል ተተኮስቲ ዝዓጠቓየን።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ እተን መራኽብ ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ጥራይ ከይተሓጽራ፣ ውሕስነት ክሊ ማይ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ኣብ ምሕላው’ውን ክዋፈራ ምዃነን ኣገንዚቡ።

ጂቡቲ ነተን መራኻብ ካበይ ከምዝሸመተተን ወይ ብሓገዝ ከምዝተዋህበተን እኳ እንተዘይገለጸት፣ Damen FCS 5009ዝተባህላ ስርሓት ቻይና ምዃነን ኣብ ወትሃድራዊ ንጥፈታት ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ጀነስ ኣንፊቱ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0