ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ ዓፈርን ሶማል ዒሳን ብዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 03 August 2021

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ዓፈርን ሶማል ዒሳን ብዝተጓሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ብባሕቲ ነሓሰ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ጂቡቲ ዝተወልዐ ግጭት፣ ጠንቑ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ጎረባብቲ ዝጸንሑ ብሄራት ብሃንደበት ብካራሩን ጎዞሞን ክጨፋጨፉን ንመንበሪ ኣባይቲ ሓዊ ክርኩዑሉን’ዮም ተራእዮም።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ኑህ ሓሰን፣ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ከምዘይጻወር ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣጠንቒቑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናይ ብሄር ግጭት ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ደጊሙ ከይነቱግ ብምስጋእ፣ ሓያሎ ስድራቤታት ኣባቶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ከባቢታት ከምዝገዓዙ ተፈሊጡ።

ተወልዶ ዓፈር ዝኾኑ ዜጋታት ጂቡቲ፣ ንቲ ብፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ብሶማል ዒሳ ዝተዓብለለ’ዩ ክብሉ’ዮም ዝነቕፍዎ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0