ኣብ ተከዘ፣ ናይ ዝተቐትሉ ኣስታት 50 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: 03 August 2021

ኣብ ሩባ ተከዘ፣ ናይ ዝተቐትሉ ኣስታት 50 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበ ንመንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ኣቃሊሑ።

ገለ ካብቲ በብእዋኑ ዝተኣከበ ሬሳታት፣ ኣእዳዎም ብእስሩ ናይ ዝተቐትሉ ኮይኑ፤ ኣብቲ ወሓዚ ጸንበልል እናበለ’ዩ ተረኺቡ።

ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕታቶም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን እናዛየደ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ሑመራ ዝርከቡ ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ግፍዕታት የካይዱ ከምዘለዉ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ምስዚ ተወሳኺ ወጥሪ ተተሓሒዙ፣ ተከዘ ብምስጋር ናብ ሱዳን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ኢትዮጵያውያን ቁጽሪ ክውስኽ ይርአ ኣሎ።

እዞም ዝተቐትሉ ኣስታት 50 ሰባት’ውን ናብ ሱዳን ንምስጋር ዝሓለኑ ተራ ውልቀ ሰባት ምዃኖም፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ምንጭታቱ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0