ጂቡቲ፣ ምስ እስራኤል ዝምድና ከምዘይትምስርት ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 26 November 2020

መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን ጽቡቕ ክቕጽል እንተዘይክኢሉ፣ ጂቡቲ ምስ እስራኤል ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ከምዘይትምስርት፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣፍሊጡ።

ንሱ ምስ ‘ዘ ኣፍሪካ ሮፖርት’ ዝተባህለት፣ ወርሓዊ እትሕተም ናይ ፈረንሳ መጽሔት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ እስራኤል ንፍልስጤማውያን መሰላቶም ሓሪማ ከምዘላ ወቒሱ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ‘እታ ሃገር፣ ንሰላም ቅርብቲ ምህላዋ፣ ዘረጋግጽ ሓንቲ ስጉምቲ ሰናይ ድሌት እንተርኢና፣ ንሕና ድማ 10 ስጉምቲ ክንቀርብ ኢና’ ኢሉ።

እንተኾነ እስራኤል ምስ ፍልስጤም ሰላም ንምግባር ድልየት ዘለዋ’ውን ኣይትመስልን ክብል ደምዲሙ።

እስራኤል፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬንን ሱዳንን ድሕሪ ዝጀመረቶ ታሪኻዊ ዝምድናታት፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገርን’ውን ተመሳሳሊ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ’ውን ተሓቢሩ።

እታ ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ድማ ጂቡቲ ክትከውን ከምእኽእል ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን ድማ’ዩ፣ ፕረዚደንት ገለ፣ ምስ እስራኤል ዝምድና ንምክያድ፣ ተበግሶ ሰላም ምስ ፍልስጤም ከም ቅድመ ኩነት ዘቕርብ ዘሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0