ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ሓሙሽተ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ጥሒሎም

Radio Erena: 25 November 2020

ኣብ ገማግም ባሕሪ፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ሓያሎ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብ23 ሕዳር፣ ብሓያል ህቦብላን ማዕበልን እናተደፍኡ ናብ ክሊ ማይ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ድሕሪ ምእታዎም’ዮም ደሃዮም ጠፍኡ።

ድሒሩ ሰበ ስልጣን ናይቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ካብኣቶም ከምዝሞቱ ኣረጋጊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ምዕራባዊ የመን፣ ዞባ ሖዴይዳ፣ ብዝተጻወደ ነታጕ፣ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሸውዓተ ድማ ቆሲሎም።

እቲ ነታጕ ሑቲ ዝተኸሎ ምዃኑ፣ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ወቒሶም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0