ጂቡቲን ሶማልን፣ መሪሕነት ኢጋዳ ብኬንያን ኢትዮጵያን ተዓብሊሉ ዝብል ተቓውሞ ከምዘለወን ተገሊጹ

Radio Erena: 27 October 2019

ጂቡቲን ሶማልን፣ መሪሕነት ዞባዊ ውድብ ብኬንያን ኢትዮጵያን ተዓብሊሉ ዝብል ተቓውሞታት የቕርባ ከምዘለዋ ዲፕሎማስውያን ምንጭታት ገሊጾም።

እዘን ሃገራት ተቓውሞ የስምዓ ምህላወን ዝጥቀስ ዘሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ንኬንያዊ ማሕቡብ ሙዓሊም ብምትካእ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ክኽውን’ዩ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ዝጋዋሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ 2008 ኣብ ኣኼባ መራሒ ሃገራት ኢጋድ ዝተመርጸ ማሕቡብ ሙዓሊም፣ ነናይ ኣርባዕተ ዓመት ክልተ እዋን፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሖ ናይ ግዜ ገደብ ወዲኡ ኣብ 2016 ብካልእ ክትካእ እኳ እንተነበሮ፣ መራሕቲ’ቲ ዞባዊ ውድብ ስሩዕ ኣኼባ ከካይዱ ብዘይምኽኣሉም፣ ስልጣኑ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተናዊሑ ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዛ ዓመት፣ ስልጣኑ ከሰጋግር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ማሕቡብ ሙዓሊም መን ይትክኦ ኣብ ዝብል፣ ንሃገራት ኢጋድ ኣብ ስዉር ዲፕሎማስይያዊ ቁርቁስ ኣትዩወን ምህላዉ ይንገር።

ብፍላይ ጂቡቲን ኬንያን፣ ዋና ጸሓፊን ኣቦ መንበርነትን ናይቲ ውድብ ብኬንያን ኢትዮጵያን ተዓብሊሉ ዝብል ተቓውሞታት ብግሁድ የስምዓ ምህላወን ዘ ኢስት ኣፍሪካን ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣረጋጊጹ።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ’ዩ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት፣ ንኬንያዊ ማሕቡብ ሙዓሊም ተኪኡ፣ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ዞባዊ ውድብ እንተኾይኑ ድማ፣ ኢጋድ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣሎ ክብሃል ይከኣል።

ኣብ 1986 ዝተመስረተ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ ቀዳሞት ኣባላቱ፣- ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኬንያ፣ ሱዳንን ኡጋንዳን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ድማ ድሕሪ ናጽነተን ብኡ ንብኡ’የን ተጸንቢረንኦ።

እንተኾነ፣ ኤርትራ፣ እቲ ውድብ ብኢትዮጵያ ተዓብሊሉ ብዝብል፣ ኣብ 2007 ኣባልነታ ከተደስክል እንከላ፣ ኣብ 2011 ዳግም ናብቲ ውድብ ተመሊሳ።

ይኹን’ምበር ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ንጡፍ ኣበርክቶ ኣይጸንሓን።

ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ፣ ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንምዕባለ፣ ኣብዚ ዞባ ንዘጋጥሙ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ብድሆታት ብምምኽኻር ንናይ ሓባር ምዕባለ ንምስራሕ ዝቖመ ዞባዊ ውድብ’ዩ።

እቲ ውድብ ካብ ዝምስረት ኣብ 33 ዓመቱ፣ ብንጥፉ ዝተዋስኣሉ ኣበርክቶ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝተራእየ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰዶ ተበግሶ ጥራይ’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝንቀፍ።

ጉዳይ ደቡብ ሱዳን’ውን ኣብ መዕሊቢኡ ከብጽሕ ዘይክኣለ ኢጋድ፣ ከምቲ ዝተበገሰሉ ከምዘይሰጎመ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እዚ ዞባ ይሰማምዕሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0