ጂቡቲን ስጳኛን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ኣካይደን

Radio Erena: 19 December 2022

ጂቡቲን ስጳኛን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ኣካይደን።

ኣብቲ ካብ 3 ታሕሳስ ኣትሒዙ ንንሳልስቲ ዝቐጸለ፣ ‘ቡል ሻርክ’ ዝተሰምየ ሓባርዊ ልምምድ፣ ንጥሙር ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ እትመርሕ ዘላ ኣመሪኣ’ውን ምስታፋ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ከባቢ ዓርታ ዝተኻየደ ልምምድ፣ ሓይልታት ኣየርን ምድርን’ውን ከምዝተሳተፉ፣ ጥሙር ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።

እቲ ልምምድ፣ ኮለላን ስለያን ባሕሪ ከምኡ ድማ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋርን ዘተኮረ’ዩ።

ኣብ ገማግም ባሕራ፣ ሓይልታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ጃፓንን ቻይናን ክዕስኩሩ ዝፈቐደተ ጂቡቲ፣ በብእዋኑ ምስ ካልኦት ንስርሒት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝመጽኣ ሃገራት’ውን ሓባራዊ ልምምድታ ተካይዳ’ያ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0