‘ኤርትራ፣ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ።’ UNICEF

Radio Erena: 19 December 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ማዕከን ንቆልዑ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ነዚ ዝመጽእ ዓመት፣ ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ንቁጠባዊን ክሌማዊን ነውጽታት ቃልዕ ምዃኑ ብምዝክኻር፣ ደርቂ፣ ዋሕዲ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናትን ማዕቀባትን ህጹጽ ረዲኤት ናይ ዘድልዮ ህዝቢ ከምዘዛየደ ኣገንዚቡ።

ነዚ ኣብ ኤርትራ፣ ብገምጋም 1 ካብ 5 ሰባት ጸልዩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመተ 2023፣ ለገስትን መሻርኽትን ሃገራት 14.7 ሚልዮን ዶላር ክምውላ ተማሕጺኑ።

ዩኒሴፍ፣ ኣቐሚጥዎ ብዘሎ ኣሃዝ፣ ካብቶም ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኤርትራውያን፣ እቶም ኣስታት ፍርቂ ወይ ኣስታት 745,600 ቆልዑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

እቲ ሓገዝ፣ ኣብዛ ድሕሪ ክልተ ቅነ እትዓቱ ሓድሽ ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ፣ ከም ቀረብ ጽሩት ዝስተ ማይ፣ መሰረታዊ ክታበታት ቆልዑ፣ መኣዛዊ መግብታት፣ ምስፋሕ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት፣ ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ ንቆልዑ ከምኡ ድማ ፊናንስያዊ ዓቅሚ ትሕቱ መነባብሮ ዘለወን ነፍሰጾር ኣዴታት ኣብ ምዕባይ ክውዕል መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Daniel Weldu 1 year ago

    ጽብቅ ኣልኩም ነቲ ዝተትፈ ህዝቢ ኣፍሪቃ ረድዔት ስደድሉ ናይ ህዝብናስ መንግስቱ ህዝቡ ሰላም ህሃብውዎ እንበር ጸገም የለን።