ጀዳ፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ሳሞሳ (ሳምቡሳ) ኣብ ዓይኒ መድሪ ኮይኑ ከዳሉ ዝጸንሐ ቤት መግቢ ተዓጽዩ

Radio Erena: 29 April 2022

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ጀዳ፣ ሳሞሳን ካልእ ከም ሳንድዊች ዝኣመሰለ መግብታትን፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ክሽነ፣ ኣብ ሽቓቕ ወይ ዓይኒ ምድሪ ኮይኑ ከዳሉ ከምዝጸንሐ ዝተሓበረ ቤት መግቢ ከምዝተዓጽወ ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጋልፍ ኒውስ፣ እቲ ሳምቡሳ ብምፍራይ ዝተፈልጠ ቤት መግቢ፣ ንዓማዊሉ፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ሽቓቕ እናሰርሐ’ዩ ክቕርበሎም ጸኒሑ።

ምምሕዳር ከተማ ጀዳ፣ መንነቶም ካብ ዘይጠቐሶም ግዱሳት ብዝረኸቦ ሓበሬታ፣ ተኸታቲሉ ናብቲ ቤት መግቢ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ሳሞሳን ካልእን ኣብ ሽቓቕ ክዳሎ ጸኒሕዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝወድቐሉ ዕለት ብ2 ዓመታት ዘሕለፈ ስጋን ፍርያት ጸባን ‘ውን ከምዝረኸበ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት መግቢ፣ ናይ ጥዕና ካርድ ‘ውን ኣጸንሖምን።

ኣብቲ ከም ክሽነ ዘገልግል ዓይኒ ምድሪ፣ ሓሳኹን ዝዓሰወ ነገራትን ብብዝሒ ከምዝርኣየ ዝጠቐሰ ምምሕዳር ከተማ ጀዳ፣ ጽሬቱ ዘይሓለወን ንጥዕና ሓደገኛ ክብል ብዝሃቦ ርእይቶ፣ እቲ ቤት መግቢ ብኡ ንብኡ ክዕጾ ተወሲኑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0