ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ፣ ንኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስልጠና ሂቡ

Radio Erena: 28 April 2022

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ፣ ንኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስልጠና ምሃቡ፣ ቆንስላዊ ተልእኾ ህንዲ ኣብ ኤርትራ፣ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ INS Tir, Sujata ን ICGS Sarathiን ዝተባህላ ሰለስተ መራኽብ ኵናት፣ ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ፣ ኣብ ወደብ ባጽዕ ከምዘጸገዐ ብምርግጋጽ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብተን መራኽብ ዑደት ምክያዶም እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ነቶም ናብተን መራኽብ ዑደት ዘካየዱ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ መርከብ ዝካየድ ስልጠና ምሃቡ’ውን ተገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ መኮንናት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ህንዲን ከምኡ ድማ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኤርትራ ተረኺቦም ኔሮም።

እተን መራኽብ ኵናት ናብ ወደብ ባጽዕ ከምዝተጸግዓ ዝተገልጸ፣ ህንዲ ምስ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓባራዊ ልምምድ ድሕሪ ምቕናያ’ዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝተሳተፈኦ፣ ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክካየድ ምቕናዩ ይፍለጥ።

===============

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0