ጀኔቫ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ውድድር ሮቦት ይሳተፉ ኣለዉ

Radio Erena: 14 October 2022

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ሮቦት (robetic competition) ሓሙሽተ ኤርትራውያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ካብ 13- ክሳብ 16ጥቅምቲ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ሮቦት ዘድሃበ ናይ ቴክኖሎጂ ውድድር ካብ 185 ሃገራት ዝተወከሉ መንእሰያት ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ካብ 15 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን፣ ብተበግሶ ማሕበርኮም ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ ናብዚ ውድድር ዝቐረቡ ኮይኖም፣ ብኣማኸርቲ(mentors) ዳኒኤል ተስፋማርያም ኣስፈዳይን ሚሊሲ ተስፋዝጊን ‘ዮም ዝስነዩ ዘለዉ።

እዞም ብምምሕዳር ከተማ ጀኔቫን First Globalን ኣብ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ውድድር ሮቦት ዝሳተፉ ዘለዉ፣ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝኾኑ፣ ሓሙሽተ ኤርትራውያን መንእሰያት፣- ህያብ ሳምሶን: ንያት ተስፋጋብር: ሩፋኤል ኣብራሃ: ኣዶናይ ሃብተ: ዮሳን ወልደገብሪኤል’ዮም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ንኡጋንዳ ካብ ዝወከሉ ሓሙሽተ መንእሰያት፣ እቶም ክልተ፣ ሳምራዊት ገብርሂወትን ሆርሞን ኣስመሮም ወልደገርግሽን ኤርትራውያን’ዮም።

እቲ ኣህጉራዊ ውድድር፣ መጻኢ ናይ ዓለምና ዝቕልስ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ንምምሃዝ ዝሕግዝን መንእሰያት ኣብ ነንሕድሕዶም ሓሳባት ንምልውዋጥን ዝዓለመ እዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0