ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲቱ

Radio Erena: 16 October 2022
ወዱ ንዮወሪ ሙሰቨኒን፣ ኣዛዚ ሰራዊት ምድሪ ዝነበረን ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እቲ ዩጋንዳዊ ጀነራል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብዛዕባ ኬንያን ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንታን ዘዋርድ ጽሑፋት ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ነውጺ ፈጢሩ እዩ።
ጀነራል ሙሆዚ፣ ንናይሮቢ ብኲናት ክንሕዛ ልዕሊ ክልተ ሳምንታት ኣይወስደልናን’ዩ ብምባል፣ ነታ ከተማ ምስ ወረራ ኣበይ ክነብር ከምዝደልይ ምግላጹ ዝርከቦም ተኸታታሊ ጽሑፋት እዩ ዘርጊሑ።
እንተኾነ ጀነራል ሙሆዚ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ይቕሬታ ጽሑፍ፣ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ ቀደም ምሕዝነት ከምዝነበሮን፣ ጌጋ ፈጺሙ እንተኾይኑ ከኣ ከም ዓቢ ሓዉ ይቕሬታ ክገብረሉን ተማሕጺኑ።
ጽሑፋት ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ፣ ንሙሆዚ ካብ ስልጣኑ ከምዘፋነዎ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ’ዩ።
ገለ ሚኒስተራት ዩጋንዳ፣ ጀነራል ሙሆዚ ይቕሬታ ብምሕታቱ ብምምጓስ፣ ፕረዚደንታት ኡሁሩ ኬንያታን ዊልያም ሩቶን መሓዙት ዩጋንዳ ከም ምዃኖም መጠን፣ ነቲ ናይ ይቕሬታ ጻውዒት ብምቕባል፣ ንክልቲኤን ሃገራት ካብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ከናግፉወን ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0