ጀኔቫ፣ ኣብ ጉዳይ ምግሃስ መሰል ደቂንስትዮ ኤርትራ ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ

ጀኔቫ፣ ኣብ ጉዳይ ምግሃስ መሰል ደቂንስትዮ ኤርትራ ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ

Radio Erena: 01 March 2015

eriwomen

ኣንጻር ደቀንስትዮ ዝግበር ኣፈላላይ ክውገድ ዝጽዕር ኮሚቴ፣ ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ ኤርትራ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደ፣ ካብ ጀኔቫ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ንደቀንስትዮ ኤርትራ ብከቢድ ጸልዩወን ከምዘሎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ብወኪሉ ኣቢሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ሸቶ ሚለንየም ኣብ ምዕባለ ንምዕዋት ኣበርቲዓ ከምዝሰርሐት፣ ኣብ ጥንስን ሕርስን ዘጋጥም ሞት ኣዴታት ኣብ ምንካይ፣ ሞት ህጻናት ኣብ ምንካይ፣ ኤች.ኣይ.ቪ. ኤይድስ፣ ዓሶን ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣብ ምንካይ ጻዕሪ ከምዘካየደት ገሊጹ።

 

እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ናጻ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ብዘይምህላወን፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ ጸብጻብ መነጻጸሪ ወይ መወከሲ መጽናዕታዊ ሰነድ የለን።

ተሳተፍቲ’ቲ ዘተ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከባ ደቀንስትዮ፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ በደል ከምዝወርደን፣ ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ቤት ማእሰርታት ዝተቐየዳ ደቀንስትዮ ከም ጾታዊ ዓመጽን ካልእ በደልን ከምዝወርደን፣ እዚ ሓበሬታ’ዚ ከኣ ካብተን በብእዋኑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓታ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብቐሊሉ ዝርከብ ምዃኑ ተዘትዩሉ።

ኤርትራ ኣንጻር’ቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝካየድ ዝኾነ በደልን ኣፈላላይን ዝቃለስ ኣህጉራዊ ውዕል ብ1995 ዝፈረመት ሃገር’ያ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0