ኤርትራ ብዕደና ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 77 ተሰርዓ

ኤርትራ ብዕደና ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 77 ተሰርዓ

Radio Erena: 01 March 2015

Goldbish

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዕደናዊ ንጥፈታት፣ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 77 ከምዝስራዕ ተገሊጹ።

ኣብ ንግድን ፋይናንሳዊ ንጥፈታትን ዘተኩሩ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ ኤርትራ ብዕደናዊ ንጥፈታት ኣብ ዓለም መበል 77 ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ መበል 14 ደረጃ ከምዘላ ገሊጾም።

ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ፊንላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትርከብ እንከላ ማሌዥያ ከኣ ናይ መወዳእታ ደረጃ ሒዛ ዘላ ሃገር’ያ።

ኤርትራ ብዕደናዊ ንጥፈታት ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ኣብ መበል 77 ደኣ ትሃሉ እምበር ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብዳርጋ ፍርቂ ንድሕሪት ከምዝተጎተተት ይግለጽ። ኣብ 2013 ኤርትራ ኣብ መበል 48 ደረጃ እያ ኔራ።

 

ጠንቂ ናይዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ወፍሪ ውሕስነት ምስኣን፣ ሕጋዊ መስርሕን፣ ብዝሒ ቅጥዕታትን ዝኣመሰሉ ከምዝኾኑ ይግለጽ።

ደቡብ ሱዳን፣ ዚምባብወ፣ ናይጀሪያ፣ ሱዳን፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊክን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ብደረጃ ኣህጉር ካብተን 10 ዳሕረዎት ንጥፈታት ዕደና ዝካየደለን ሃገራት ተባሂለን ተረቚሐን ኣለዋ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ኤርትራ ዕደናዊ ንጥፈታት ዘካይድ ነቭሰን ሪሶርስስ ኣብ ዓመተ 2014 ካብ ዕደና ነሓስ ጥራይ 166 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣካያዲ’ቲ ትካል ክሊፍ ደቪስ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ነቭሰን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ርእሰ ማሉ ናብ 520 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ፣ ካብዚ ከኣ እቲ 440 ሚልዮን ዶላር ብጥረ ገንዘብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጽኑዕ ምቁጽጻር ከምዝግበረሉ ዝንገረሉ እቶት ዕደናዊ ንጥፈታት ኤርትራ፣ ንህዝቢ ግሉጽ ብዘይምዃኑ ንብልሽውና ርሒብ ኣፍደገ ዝኸፈተ ምዃኑ ብብዙሓት ወገናት ይውቀስ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0