‘ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክምለስ ተሰማሚዑ።’ ሰልፊ ዑማ

Radio Erena: 21 November 2021

ሱዳን፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕቱር ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክምለስን ኩሎም እቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ናይቲ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክፍትሑን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ፣ ሰልፍ ዑማ ሎሚ 21 ሕዳር ገሊጹ።

ካብ 25 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ንሲቪላዊ ኣካል መሰጋግሪ መንግስቲ ብምብታን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ኣባላት ኣሲሩ፣ ብዕልዋ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣኑ ክመልሶ ምዃኑ ዝንገር ዘሎ፣ ህዝባዊ ተቓውሞን ኣድማን እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ጀነራል፣ ነቲ ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክመልስ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን ዘይሕለል ጻዕርታት ምክያደን ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ብዝያዳ በዲሁ ዘሎ ሓይሊ፣ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን’ዩ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመዝዝ ምዃኑ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ብመሰረት ሰልፊ ኡማ ዝሃቦ መግለጺ ግና እቲ ጀነራል ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክመልስ ኣብ ስምምዕ በጺሑ እኳ እንተሎ፣ ብወገን ወትሃደራዊ ጉጅለ ይኹን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0