ጀርመን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንመንግስቲ ሱዳን ትሕግዝ

ጀርመን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንመንግስቲ ሱዳን ትሕግዝ

Radio Erena: 07 March 2016

German Sudan

ጀርመን ብመንገዲ ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ሓገዝ ንመንግስቲ ሱዳን ክትልግስ’ያ።

እቲ መንግስቲ ጀርመን ንሱዳን ሰሊዕዎ ዘሎ ናይ 51 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምብራቕ ሱዳን ዝፍምጸ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግትእ ዝካየድ ጻዕሪ፣ ኣብቲ ዞባ ናይ ልምዓት መደባት ንምትግባር’ውን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ሓገዝ ብዘይካ’ዚ ኣብ ዳርፉር ንዝካየድ መደባት ልምዓት ቆላሕታ ዝገበረ’ዩ።

 

እቲ ስምምዕ ብወገን መንግስቲ ሱዳን፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከማል ሓሰን ዓሊ ብወገን መንግስቲ ጀርመን ድማ ሚኒስተር ቁጠባን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ቶማስ ሲልበርሆርን’ዮም ብሓሙስ 3 መጋቢት ከቲሞሞ።

ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነቲ ብምብራቕ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምግታእ ንመንግስቲ ሱዳን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ ሓገዝ ኣብ ምብርካት ይርከባ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0