ጀርመን፣ ኣብ የመን ኲናት ንዘካዪዱ ዘለዉ  ወገናት ትሸጦ ዝነበረት ኣጽዋር ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ

ጀርመን፣ ኣብ የመን ኲናት ንዘካዪዱ ዘለዉ ወገናት ትሸጦ ዝነበረት ኣጽዋር ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ

Radio Erena: 21 January 2018

 germen tankጀርመን፣ ኣብ የመን ኲናት ንዘካዪዱ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ትሸጦ ዝነበረት ኣጽዋር ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ።

ወሃብ ቃል ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ብዓርቢ 19 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጀርመን ብሓፈሻ ምስ መትከላት ክርስቲያን ደሞክራትን፣ ሶሻል ደሞክራትን ዝተባህሉ ውድባት’ታ ሃገር ዘይሰማምዑ ወገናት ብፍላይ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ክትሸጠላ ዝጸንሐት ኣጽዋር ኲናት ደው ከምዘበለቶ ሓቢሩ።

ጀርመን ንስዑዲ ዓረብ ክትሸጠላ ዝጸንሐት ኣጽዋር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክብ ከምዘበለቶ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ስጣን ዘሎ መንግስቲ ጀርመን ንስዑዲ ዓረብን ቐጠርን ከውሕዞ ዝጸንሐ ኣጽዋር ኲናት በርሊን ካብ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

ኢራንን ልፍንቲ ሃገራት ዓረብን ናይ ውክልና ኲናት ዘካዪዳሎ ተባሂሉ ዝግለጽ ውግእ ሓድሕድ የመን ካብ ዝጅምር ልዕሊ 10 ሽሕ ህይወት ቀዚፉ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0