ጀርመን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን35 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ሂባ

ጀርመን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን35 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ሂባ

Radio Erena: 11 May 2018

germany

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ጀርመን ንኣስታት 35 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ከምዝሃበት ማዕከን ዜና እታ ሃገር ዶቸ ቬለ ሓቢሩ።

ኣብ ጀርመን ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ እቶም ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን፣ ስድራቤታቶም ናብታ ሃገር ንኸምጽኡ ግና ብዙሕ መሰናኽል ይገጥሞም ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ዑቕባ ዝተዋህቦም 808 ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ከምጽኡ እኳ እንተሓተቱ፣ ዛጊት ናይ 394 ሰባት ጥራይ’ዩ ቅቡል ኮይኑ ዘሎ።

ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ድማ፣ ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ጀርመን ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ቪዛ ንምርካብ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኬንያን ንዝርከብ ኤምባሲታት ጀርመን ሰነዳት ኣብ ዘረክብሉ እዋን፣ እቲ መስርሕ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ’ዩ።

መንግስቲ ጀርመን፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕግታት ስደተኛታት እዚ መስርሕ እዚ ክቃለል ዝድግፍ’ዩ።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ጀርመን ቪዛ ከምዘይህብ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንዜጋታቱ ፓስፖርትን መውጽኢ ቪዛን ብቐሊሉ ኣይፈቅድን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0