ጀርመን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 32 ሚልዮን ዶላር ሰሊዓ

ጀርመን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 32 ሚልዮን ዶላር ሰሊዓ

Radio Erena: 13 August 2018

Kassala

መንግስታት ጀርመንን ሱዳንን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝውዕል ናይ 32 ሚልዮን ዶላር ናይ ሓገዝ ስምምዕ ከቲመን።

እቲ 30 ሚልዮን ብመንግስቲ ጀርመን ዝተመወለ ክኸውን እንከሎ እቲ ክልተ ሚልዮን ከኣ ሕብረት ኤውሮጳ ዘበርከቶ’ዩ።

እቲ ብ10 ሓምለ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ኣብ ከባቢታት ከሰላ፣ ገዳርፍን ደቡብ ዳርፉርን ንዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ምስ ናይቲ ዞባ ሕብረተሰብ ንምውህሃዶምን ንምጽንባሮም ሞያዊ ስልጠና ንምህሃብ ዝሕግዝ’ዩ።

ነቲ ስምምዕ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ሱዳንን ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን’ዮም ከቲሞሞ።

ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ሱዳንን ሕብረት ኤውሮጳን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዘኽእል ሓድሽ ተበግሶ ከምዝኸተማ ይዝከር።

ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ስምምዕ ሓድሽ ተበግሶ፣ ወከልቲ ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ጅቡቲትን ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኤርትራ ግና ኣይተቐበለቶን።

እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝተጣየሰ ሓድሽ ተበግሶ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ 45 ሚልዮን ዶላር ባጀት’ዩ ተሰሊዕሉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0