ጀርመን፣ ሸሞንተ ኤርትራውያን፣ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓብዒቦም ተረኺቦም

Radio Erena: 15 October 2020

ኣብ ጀርመን፣ ከባቢ ከተማ ሄሊገንሮስ፣ ሸሞንተ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓብዒቦም ከምዝተረኽቡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብታ ናይ ጽዕነት መኪና፣ ትንፋስ ክሓጽሮም ድሕሪ ምጅማሩ፣ ባዕላቶም ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ነበርቲ ናይታ ኣብ ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ብወገኖም፣ ካብታ ናይ ጽዕነት መኪና ነነጢሮም ክወርዱ ከምዝረኣዩ ምስክርነቶም ኣካፊሎም።

መራሒ እታ መኪና ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነዳዲ ክመልእ ኣብ ጥቃ’ታ ከተማ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ እቶም ሓተቲ ዑቕባ ነነጢሮም ከምዝወረዱ ኣመልኪቱ።

ፖሊስ ጀርመን፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ምስ ዝተወደበ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተኣሳሰረ ከይከውን ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም እኳ እንተገለጹ፣ ዝኾነ ሰነድ ኣይሰጸንሖምን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0