ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ደግሲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ

Radio Erena: 16 October 2020

ኣብ ፈረንሳ፣ ደግሲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እናበኣሰ ብምምጽኡ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ።

እቲ ካብ ወርሒ ክሳብ ወርሕን ፈረቓን ክጸንሕ ከምዝኽእል ዝተገልጸ ኣዋጅ ሰዓታት እቶ እቶ፣ ካብ ጽባሕ ቀዳም 17 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፣ ካብ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ወጋሕታ፣ ንስራሕ ይኹን ካልእ ውልቃዊ ጉዳይት ምንቅስቓስ ሰባትን ተሽከርከርትን ዝኽልክል’ዩ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፈረንሳ፣ ገና ካብ ህጹጽ ናይ ጥዕና ሓደጋ ከምዘይተገላገለት ብምጥቃስ፣ ምስ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ካቢነ ሚኒስተራትን ድሕሪ ምዝታይ፣ ነቲ ኣዋጅ ከምዘሕለፈ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ፈረንሳ መዓልታዊ ካብ 8 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ዝግምገም ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት’ዩ ዝምዝገብ ዘሎ።

ናይ ምስትንፋስ ሓገዝን ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክንን ናይ ዘድልዮ ብዝሒ ሰባት፣ መዓልዊ ብኣማኢት እናዛየደ ምምጽኡ፣ ንሆስፒታላት ፈረንሳ ኣብ ሻቕሎት ሸሚሙ ይርከብ።

ኣብታ ሃገር ልዕሊ 770 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።

ፈረንሳ፣ ንክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ምዕጻው ኣዊጃ ድሕሪ ምጽንሕ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት’ያ ኣልዒላቶ።

እንተኾነ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብምኽሳቱ፣ ፓሪስ ኣብ እትርከበን ዝበዝሐ ዓበይቲ ከተማታት ሰዓታት እቶ እቶ ክትእውጅ ተገዲዳ።

መንግስቲ፣ ነቶም በዚ ኣዋጅ ዝጽለዉ ሰራሕተኛታት፣ ምሉእ ደሞዞም ክኽከፍልን፣ ንትካላት ድማ መሕወዩ ክህብን ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ናይ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዋጅ ውጽኢታዊ ኮይኑ እንዘይተረኺቡ፣ ፈረንሳ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ምሉእ ምዕጻው ክትኣቱ ከምእትኽእል’ውን ትንታነታት ይወሃቦ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0