ጀርመናዊ ትካል መፍረ መድሃኒት፣ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ መድሃኒት ኮሮና ቫይረስ ከካይድ ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 July 2020

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንመላእ ዓለም ኣናዊጹሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ጀርመናዊ ትካል ፋርማሲ፣ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ መድሃኒት ከካይድ ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ባዮኤንተክ ዝተባህለ ትካል መፍረ መድሃኒት፣ ነዚ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ መድሃኒት ኣብ ቻይና ፈተነ ከካዪደሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ’ቲ መድሃኒት ዕዉት ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ። ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ፈተነ እቲ መደሃኒት፣ ኣብ ልዕሊ 100 ሰባት ዝግበር ስለዝኾነ፣ ክኢላታት ሕክምና ንውጽኢቱ ብዓቢ ሃንቀውታ እዮም ክጽበዩዎ ጸኒሖም።

ኣብዚ ኣብ ቻይና ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሳልሳይ ደረጃ፣ ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወለንተኛታት እዩ ክካየድ። ዕዉት ኮይኑ እንተተረኺቡ ኣብ መፋርቕ 2021 ዓመተ ምህረት ናብ ኩሉ ሰብ ክባጻሕ ትጽቢት ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ተመዝጊቦም ዘለዉ ንኮሮና ቫይረስ ዝፍውሱ መድሃኒታት 23 ኣብ ጀረጃ ክሊኒካል ክምዝገቡ እንከለዉ፣ ቅድመ-ክሊኒካል ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ከኣ 140 ዓይነት መድሃኒታት ኣለዉ።

ህንዲ ብወገና ብምትሕብባር ሰለስተ ትካላት መፍረ መድሃኒት ዝካየድ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ፣ ካብ ሰኑይ 20 ሓምለ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።

ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብሕሱም ዝተጠቕዓ ሃገራት፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ብራዚል፣ ሩስያን ህንድን ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዓ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0