ብቀ.ሚ. ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካዪዱ

Radio Erena: 19 July 2020

ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካዪዱ።

ዕላማ’ቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወግዒ ኣይተገልጸን። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ሓበሬታ ‘ክልቲኦም ወገናት ዝምድናኦም ንምድልዳልን፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ንህዝሉ ምትሕብባርን ዘትዮም’ ዝብል እንተዘይኮይኑ፣ ዝርዝራዊ መግለጺ የብሉን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው፣ ከምኡ’ውን ብጉዳይ ዲጋ ተሃድሶ ምስ ግብጺ ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ እንከሎ፣ ሃንደበታዊ መገሻ ናብ ኤርትራ ምፍጻሙ፣ ካልእ ንጹር ዘይኮነ ዕላማ ከምዘለዎ’ዩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ትንታነ።

‘ዝምድና ፕረዚደንት ኢሰያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳግማይ ካብ ዝሕደስ ኣብ 2ይ ዓመቱ፣ እቲ መስርሕ ብከምቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ኣይከደን’ ክብል ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፣ እዚ ሃንደበታዊ ዑደት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይካየድ ምህላዉ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ዘይዕጋበት ዝርእዩዎ ወገናት እውን ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ዳግማይ ምሕዳስ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ካብ ጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ኮነ ካልኦት ጎረባብቲ ዝካየዱ ስምምዓት፣ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወሩ ምዃኖም፣ ቀጻሊ ሻቕሎት ዝፈጥር ጉዳይ ከምዝኾነ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    እንዳ ከደምቲ፥
    እቲ ጉዳይ እናፈልጥኩሞ ከለኹምሲ “…. ሃንደበታዊ መገሻ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣቢይ ናብ ኤርትራ ምፍጻሙ፣ ካልእ ንጹር ዘይኮነ ዕላማ ከምዘለዎ’ዩ…” ዲኹም ትብሉና ዘለኹም።

    መታን ክንጸረልኩም፡ እቲ ጉዳይ ከምቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ዜና ዘማዕኩሞ ጉዳይ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተዓመት ኣብ ዲፕሎማሲ ጽቡቕ’ኳ እንተኸደ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብን ቁጠባዊ ዝምድናን ግን ከምቲ ዝድለ ዘይመኸዲኡ፡ ብቐንዱ ድማ ነቲ ጉዳይ ዝሓናኽር ዘሎ ጉዳይ ወያነ ኣብ ቃሬዛ ዘሎ ወያነ ኣብ መቓብሩ ይርገጥ ተዘራሪቦም ኣለዉ።

    • comment-avatar

      @ሚኪ ጸርፊ ትርጉም ስለ ዘይብሉ፡ናይ ምዕቡል ሕብረተሰብን፡ናይ ክቡር ሰብ መለለይን ስለ ዘይኮነ፡ጸርፊ ገዲፍካ ናብ’ቲ ነጥብታትካ እንተትኣቱስ ክንደይ ኮን ምጸበቐ።ኣምላኽ ምተሓጎሰ ሕልናኻ ኸኣ ምመረቐካ።
      ኣቐዲሙ ብማስሜድያ ዘይተሓበረ፡መገሻ፡ሃንደበት እምበር እንታይ ድኣ እዩ እሞ ክበሃል።ክልቲኦም መራሕቲ ፡ከምቲ ኣብተን ብዲሞክራስያዊ ዝማዕበላ ሃገራት፡ናብ ነጻ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ቀሪቦም ሕቶታት እንተዘይመሊሶም ከ፡”ዘይንጹር፡ዘይፍሉጥ፡ምስጢር”እንተተባህለ መዓስ እሞ ጌጋ ኮይኑ።ምስኦም ኣብቲ ርክብ እንተነይርካ ኸኣ በጃኻ ቪድዮ፡ስእሊ ኣሰኒኻ ስደደልና እሞ ፡ኩሉ ካልእ ገዲፍና ተኸታታሊኻ ክንከውን።
      ብዝተረፈ ወደሓንካ

  • comment-avatar
    Hailu 4 years ago

    Zehazin
    Sad to still see people
    Supporting the dieing dictator.
    My prediction is bith Abucand Isayas are diving deep into thei final holes like Gadafi.
    The sad thing is Abi junior was misled by Isayas to end up in short.

    Any way they are noth frustrated by the fast developments.
    Isayas inevitable fall is soon
    Abi is cornered by TOLF and Oromo
    So this is the truth.

  • comment-avatar
    Efrem 4 years ago

    Omg
    Who can say. In Eritrea is everything ok. What about those who are in prison and underage military services. 

    Have you ever seen a country which still no university in 21 century?
    And a citizen who have not Passport even?
    Some of us still no eyes and heart to ppl who salves in Eritrea.