ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝተኸፍተሉ ዕለት፣ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝተኸፍተሉ ዕለት፣ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 24 December 2018

Endabaguna 2

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝተኸፍተሉ፣ ኣብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ንኣህጉራውያን ትካላት ስደተኛታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቶም 24 ሽሕ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መቐበል ስደተኛታት እንዳባጉና ክምዝገቡ እንከለዉ እቶም ልዕሊ 3 ሽሕ ድማ ኣብ ክልል ዓፈር ዝተመዝገቡ’ዮም።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኸፍተሉ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፣ መዓልታዊ ኣስታት 390 ኤርትራውያን ዑቕባ ንምሕታት ይምዝገቡ ምንባርሮም UNHCR ካብ ኢትይጵያ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ብዝሒ’ዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ንምሕታት ናይ ዝውሕዙ ኤርትራውያን ብ53 ሚእታዊት’ዩ ኣዕሪግዎ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ህዝቢ ካብን ናብን ይመላለስ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ፓስፖርትን መውጽኢ ቪዛን ዕድላት ዝሰኣኑ ኣሽሓት ድማ ንምኽፋት ዶባት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ይሓቱ ከምዘለው ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፣ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ 174 ሽሕ’ዩ።

ምስዚ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ናህሪ ድማ ብጠቕላላ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ብዝሒ ልዕሊ 200 ሽሕ ክግመት ይኽእል።

ይኹን’ምበር ኣሽሓት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ጉዕዞ ስደቶም ናብ ሱዳን፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን’ዮም ዝቕጽሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0