ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ረዲኤት ዝጸዓና 2779 ዓበይቲ መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 January 2023

ድሕሪ’ቲ ኣብ 2 ሕዳር 2022፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተብጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲን ዘተ ንሰላምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ረዲኤት ዝጸዓና፣ 2779 ዓበይቲ መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት (OCHA) ኣፍሊጡ።

እተን መካይን ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዘን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ዘመልከተ እቲ ትካል፣ እተን 2470 ናይ መግቢ ረዲኤት ዝጸዓና ክኾና እንከለዋ እተን 309 ድማ መሰረታዊ ናይ ሕክምና ቀረባትን ካልእን ዘብጽሓ’የን።

ብመሰረት ጸብጻብ OCHA፣ ዛጊት ናብ ትግራይ 101 ሽሕን 700ን ሜትሪክ ቶን ናይ ረዲኤት እኽሊ ክኣቱ እንከሎ፣ 10 ሽሕን 800ን ሜትሪክ ቶን ናይ ሕክምናን ካልእን ቀረባት’ውን ተላኢኹ።

እቲ 17 ሜትሪክ ቶን ዝግመት ናውቲ ሕክምናን 18 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዝግመት መኣዛዊ መግብታትን፣ ብነፈርቲ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ዝበጽሐ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0