ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዝተሃንደሰ ዕልዋ ከምዘፍሸለት ገሊጻ

Radio Erena: 04 January 2023

ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዝተሃንደሰ ዕልዋ ከምዘፍሸለት፣ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚ፣ ጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ገሊጹ።

እቲ ብሓሚቲ ዝፍለጥ ጀነራል፣ ብ03 ጥሪ፣ ኣብ ደቡባዊ ዳርፉር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ዕርቂ ዋዕላ ቀቢላታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ፎስቲን ቱዋድራ ዝተሃቀነ ዕልዋ ከምዘፍሸሉ ብምጥቃስ፣ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ከምዝዓጸዉ ኣፍሊጡ።

እቶም መንነቶም ዘይጠቐሶም ሓይልታት፣ ካብ መሬት ሱዳን ተበጊሶም ንመንግስቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ንምዕላው ከምዝተበገሱ’ዩ እቲ ጀነራል ወቒሱ።

ንሱ፣ እቶም ዕልዋ ፈቲኖም ዝበሎም ሓይልታት፣ ካብ ኩለን ቀቢላታትን ኣባላት ሰራዊት ነበርን ዝተኣኻኸቡ ምዃኖም ብምምልካት፣ ወትሃደራዊ ልብሲ ተወርዋሪ እዚ ተኸዲኖም፣ ኡም ዳፎቕ ናብ ዝተባህለ ከባቢ ዶብ ከምዝተጸግዑ ሓቢሩ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ብወገኑ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ብሙስጠፋ ሳቦን ዝምርሑ፣ ብ ‘ሲሪ’ ዝፍለጡ ዕጡቓት ኣብ ዶብ ሱዳን ተኣኻኺቦም፣ መጥቃዕቲ ንምክያድ ተዳልዮም ምንባሮም ኣገንዚቡ።

ብጀነራል ሓሚቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚ ሱዳን፣ ነቲ ውዲት ከምዘፍሸሎን ንሓያሎ ካብቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዕልዋ ንምክያድ ዝወጠኑ መራሕቲን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ መርበባት ሱዳን ጠቒሰን።

ኣብቲ ምስ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዘዋስን ከባቢታት ዕጡቓት ይምልምል ምንባሩ ዝተጠርጠረን ኣቐዲሙ ኣብ ማእሰርቲ ዝኣተወን፣ ዝተጦረተ ሱዳናዊ ጀነራል፣ ዓብደልራሒም ሹኮርት ኣላህ ምስዚ ዝተወጠነ ዕልዋ ምትእስሳር ኔርዎ ከምዝኽእል እተን መርበባት ኣሚተን።

ሜጀር ጀነራል ሹኮርት ኣላህ፣ ካብ 2004 ክሳብ 2006፣ ኣብ ዳርፉርን ምስ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዘዋስን ከባቢታት ዶብን፣ ኣዛዚ ወትሃደራዊ ስለያ ኮይኑ ኣብ ሰራዊት ሱዳን ብደረጃ ላዕለዋይ መኮነን ዘገልገል’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0