ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ጎሊሖም ካብ ዝተራእዩ 10 ተቀዳደምቲ ሓደ ምንባሩ ተገሊጹ

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ጎሊሖም ካብ ዝተራእዩ 10 ተቀዳደምቲ ሓደ ምንባሩ ተገሊጹ

Radio Erena : 29 July 2015

Dani

ዙር ፈረንሳ 2015 ብሰንበት 26 ሓምለ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ማዕከናት ዜና ስፖርት ፈረንሳን ዓለም ጎሊሖም ካብ ዝተራእዩ ተቐዳደምቲ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ንኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምስ ቀዳሞት 10 ሰሪዐንኦ።

ነቲ ቅድድም ብቀጥታ ዝፍንዋ ዝነበራ መደባርት ቴሌቪዥን ፈረንሳ ቻነላት ቁጽሪ 2ን 3ን፣ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ቅድድም ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ፣ ፍሉይ ፍጻሜታት ዙር ፈረንሳ ምስታፍ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብፍላይ ድማ ዓወት ዳኒኤል ተኽለሃይምኖት እናደጋገማ የቕርብኦ ኣለዋ።

ኣብዚ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዙር ፈረንሳ ንፈለማ እዋኑ ዝተሳተፈ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 9 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻዱሻይ መድረኽ ቅድድም ዙር ፈረንሳ፣ ማልያ ዓቐብ ምዕዋቱን ንራብዕቲ ድማ ነታ ማልያ ምዕቃቡን ታሪኽ ከምዝሰርሐ ኣይርሳዕን።

 

ብዘይካ’ዚ፣ ዳኒኤል ምስ መርሃዊ ቅዱስን ካልኦት ኣባላት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ብምዃን፣ ነታ ኣብ ዙር ፈረንሳ ንመጀመርያ እዋና ዝተሳተፈ ጋንታ ኣብ ዘኩርዕ ደረጅ ክትቕመጥ ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየዱ ተንተንቲ ስፖርት ይጠቕሱ።

መርበብ ሓበሬታ ሳይክሊንግ-ዊክሊ’ውን ብወገኑ፡ “ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2015 ስሞም ዝኾልዑ 5 ተቐዳደምቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንዳንኤል ተኽለሃይማኖት ረቚሓቶ።

እታ መርበብ ሓበሬታ ንዳንኤል ኣመልኪታ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ “ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት፡ ዳንኤል ምስ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ ካብ ዝቐዳደሙ ኤርትራዉያን ሓደ ኮይኑ ተራ ተቐዳዳማይ እዩ ኔሩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ 9 መድረኻት ቱር ር ዲ ፍራንስ ስሙ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገዛ ሰንጢቑ ክኣቱ ክኢሉ፣” ድሕሪ ምባላ፡ “እቲ ተቐዳዳማይ ካብ ፈለማ ሕልሙ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ማልያ “ንጉስ ዓቐብ” ምውዳይ ምንባሩን ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ ድማ፡ ምስ ድሙቕ ፍሽኽትኡ ከምዘግሃዶን ገሊጻ።

እታ መርበብ ሓበሬታ ኣብ መደምደምታ፡ ዳንኤል ኣብ ክራይተርዩም ዱ ደፊነ’ውን ማልያ “ንጉስ ዓቐብ” ከም ዝወነነ ብምዝኽኻር፡ ኣብ መበል 16 መድረኽ ምስ ካልኦት ተቐዳደምቲ ሃዲሙ ብምውዓል፡ ኣብ መወዳእታ ሻብዓይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ስሙ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2015፡ ከድምቕ ከም ዝኽኣለ ገሊጻ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘካይድዎ ዝነበሩ ናይ መደርኽ ቅድድማት፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ፈረንሳ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደገፎም የርእዩ ምንባሮም ይፍለጥ።

ኣብ ፓሪስ፣ ቻ-ን-ዘ-ሊዘ ኣብዝ ተኻየደ ናይ መዛዘሚ መድረኽ’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ባንዴራታት እናልዓሉ ነዞም ብሎጻት ተቐዳደምቲ ደጊፎም’ዮም።

ኣብ 2 ነሓሰ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኣትዉሉ ህዝቢ ድሙቕ ኣቐባብላ ክገብረሎም’ውን ትጽቢት ኣሎ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0