ደንማርክ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

ደንማርክ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

Radio Erena: 09 September 2015

Danish

እቲ ብፓርላማ እታ ሃገር ጸዲቑ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ሓደሽቲ ስደተኛታት ዝወሃብ ማሕበራዊ ረብሓታት ብፍርቂ ክጎድልን፣ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምሓዞም ግዴታ ቋንቋ እታ ሃገር ክመልኩን ዝብል ይርከቦ።

እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ ሕጊ’ዚ ካብ ሓደ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘጽደቐትሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ካብ ሶርያ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ዓቢ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ብምግላጽ’ያ።

መንግስቲ እታ ሃገር፣ ሶርያውያን ናብ ደንማርክ ከይመጹ ንምጥንቃቕ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ብቋንቋታት ዓረብን እንግሊዝን ኣብ ጋዜጣታት ሊባኖስ ከምዝዝርግሕ ጌሩ’ዩ።

 

ዋሕዚ ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆ ሃገራት ኤውሮጳ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ከም ጀርመንን ፈረንሳን ዝበዝሐ ቁጽሪ ሶርያውያን ስደተኛታት ንምቕባል ድሉውነተን ከረጋግጻ እንከለዋ፣ ደንማርክ በንጻሩ ስደተኛታት ንኸይመጹዋ ዝኽልክል ሕግታት ምውጽኣ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ትንቐፍ ኣላ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ሶርያውያን ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።
===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0