ቢቢሲ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ ፈነወ ሬድዮ ንምኽፋት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ቢቢሲ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ ፈነወ ሬድዮ ንምኽፋት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 September 2015

BBC er

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ ናይ ሬድዮ ፈነወ ንምኽፋት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝኾነ ቢቢሲ ብናይ ክልትኤን ሃገራት ቋንቋ ቋንቋ ዝፍኖ መደባት ብ ሓጺርን ማእከላይ ማዕበልን ከመሓላልፍ ምዃኑ’ዩ ዝጠቕስ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ናብ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ዝቐነዐ ሰፊሕ ናይ ሬድዮ መደባት ከተኣታቱ ምዃኑ ቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ። 

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ነዚ ተበግሶ እዚ ንምውሳድ ዝሕልን ዘሎ፣ ኤርትራ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት፣ ናጽነት ፕረስ ብምጉዕጻጽ ልሳን ህዝቢ ክዓብሳ ንዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ኣብ ግምት ብምእታዉ’ዩ።

 

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ክትስራዕ እንከላ፣ ሰሜን ኮርያ’ውን ንኤርትራ ጥራይ በሊጻ ብድሕሪት ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።
=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0