ደቡብ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ኪር ኣብ ስሪኡ እናሸነ ብቀጥታ ብቴሌቪዥን ብምትሕልላፉ፣ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም

Radio Erena: 07 January 2023

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ብልቃሕ ቻይና ንዝተሃንጸ ሓድሽ ጽርግያ፣ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዝምርቐሉ ዝነበረ እዋን፣ ሃገራዊ መዝሙር እናተዘመረ ኣብ ስሪኡ ምሻኑ ስዒቡ፣ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ተኣሲሮም።

ፕረዚደንት ኪር፣ ኣብቲ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብቴሌቪዥን ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ’ዩ፣ ኣብ ስርኡ እናሸነ እንከሎ ተራእዩ።

ነቲ ፕረዚደንት ብቀጥታ እትቐድሕ ዝነበረት ቀንዲ ካሜራ፣ ኣብ ስሪኡ ክሸይን ድሕሪ ምጅማሩ፣ መኣዝና ናብ ካልእ እኳ እንተቕንዐት፣ ነቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ፍጻሜ ግና ክትሓብኦ ኣይክኣለትን።

ነቲ ክስተት፣ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ዘይሃበሉ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝተሳተፉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ሰኣልትን ከምዝኣሰረም፣ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝመደበሩ፣ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት፣ ብ07 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

እቲ ወዲ 71 ዓመት ፕረዚደንት፣ ናይ ፍሕኛ ረኽሲ ከምዘለዎን ብሰንኩ ድማ ሽንቱ ክቖጻጸር ከምዘይክኣለ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ግምታቶም ይህቡ።

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ፣ ናጻ ሃገር ንዝኾነት ደቡብ ሱዳን፣ ነዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ክሳብ ሽንቱ ምቑጽጻር ዝስእን ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለዎ፣ ንግዝያዊ ሕክምና’ውን እንተኾነ ስልጣኑ ንምክትላቱ ከሰጋገር ዘይክኣለሉ ምኽንያት ካብ ምልኪን ስስዕ ዕብለላ ስልጣንን ምዃኑ እቶም ወገናት ኣብ ዘቕርብዎ ዘሎ ክትዓት ይጠቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0