ስጳኛ፣ ወዱ ነቲ ን43 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ጊኒ፣ ብምጭዋይ ደቂ ሰብ ከሲሳቶ

Radio Erena: 06 January 2023

መንግስቲ ስጳኛ፣ ወዱ ነቲ ን43 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ባሳጎ፣ ብምጭዋይ ክልተ ስጳኛውያን ከምዝኸሰሶ፣ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት እታ ሃገር፣ ኤል ፓይስ ገሊጻ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ካርሜሎ ኦብያንግ ዝተባህለ ወዱ ንፕረዚደንት ጊኒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስጳኛ ዝኸሰሶ፣ ምስ ሓላፊ ጸጥታ፣ ኢሳቕ ንግዌማ ብምዃን፣ ንክልተ ናይ ስጳኛ ዜግነት ዘለዎም ኣርባዕተ ተቓወምቲ’ቲ ፕረዚደንት ዝኾኑ ተወላዶ ኢኳቶርያል ጊኒን፣ ኣብ 2020 ካብ ደቡብ ሱዳን ጨውዩ ናብታ ሃገር ከምዝኣትዉ ጌሩ ብምባል’ዩ።

ኣርባዕቲኦም ካብ ደቡብ ሱዳን ተጨውዮም፣ ብፍልይቲ ነፋሪት ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ ምስ ኣተዉ፣ ነፍሲ ወከፎም ካብ 60 ክሳብ 90 ዓመታት ክእሰሩ ከምዝተፈርዶም ጸብጻብ ኤል ፓይስ ይሕበር።

ቤት ፍርዲ ስጳኛ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ኣሎ።

ምክትል ፕረዚደንትን ቦኽሪ ወዱ ነቲ ፕረዚደንትን ዝኾነ፣ ቴዶር ኦብያንግ ማንግ፣ ስጳኛ ንመንግስቲ ኢኳቶርያል ጊኒ ምጽላማን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምእታዋን ወቒሱ።

ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ 1969 ካብ ስጳኛ ናጻ ድሕሪ ምውጽኣ፣ 11 ዓመታት ጸኒሑ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ቴዶር ኢብያንግ ባሳጎ፣ ንዝበዝሐ ኣገደስቲ ጽፍሕታት መንግስቲ ብደቁ፣ ኣሕዋቱ፣ ኣኮታቱን ሓውቦታቱን ከምኡ ድማ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን’ዩ ኣማሲሕዎ።

ንሱ ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፣ ን43 ዓመታት ብምምራሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ስልጣን ንዝነውሐ ዓመታት ካብ ዘለዉ መራሕቲ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0