‘ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ሱዳን ዝተረከበቶም ስለስተ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ብሞት ቀጺዓ’

Radio Erena: 12 August 2022

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ሱዳን ዝተረከቦም ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ዕጡቓት ተቕወምቲ ብሞት ከምዝቐጽዐት፣ ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።

እቲ ማዕከን ሓበሬታ፣ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቶም ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎም ሰለስተ መራሕቲ፣ ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን፣ ከተማ ኣልፉላ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ብኡ ንቡኡ’ዮም ናብ ኣማሓዳሪ ዞባ ዩኒቲ ናይ ደቡብ ሱዳን፣ ጆሴፍ ንጉየን ሞንቱይ ተረኪቦም።

እቲ ኣማሓዳሪ ንቕትለት እቶም ተቓወምቲ ከምዝኣዘዘ ድማ’ዩ ሱዳን ትሪቡን ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

እቶም ሜጀር ጀነራል ፑር ኡርዎፕ ኮል፣ ሜጀረ ጀነራል ንዮን ጋራንግ ኮልን, ብርጋደር ጀነራል ጋትሉዋክ ማጅዮክ ለይን ዝተባህሉ ሰለስተ ኣባላት SSPM/A ዝተባህለ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ፣ ስድራቤታቶም ንምርኣይ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምስጋሮም’ዮም፣ ብሰንበት 7 ነሓሰ፣ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ተታሒዞም።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ቱት ጋትሉክ ማኒን ንኣዘዝቲ ተወርዋሪ እዚ ሱዳን ጉቦ ብምኽፋል ከምዘትሓዞም ዝወቀሰ እቲ ውድብ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ዩኒቲ ድሕሪ ምእታዎም ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፣ ነዞም ሰለስተ መራሕቲ ተቓወምቲ ተኸታቲሉ ዘትሓዞም፣ ብቅትለት ኮሚሽነር ምምሕዳር ማዮም ንዝነበረ ሓው፣ ጄምስ ጋትሉክ ማኒን፣ ስለዝወቐሶም ምዃኑ ይግለጽ።

መራሒ እቲ ኣንጻር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝቃለስ ውድብ፣ ስቴፈን ቦይ ሮልንያንግ፣ ሱዳን ንሰለስትትተ ኣባላት መሪሕነቱ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣሕሊፋ ምሃባ ብትሪ ኮኒኑ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0