ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ኣምባሳደራታ ክትስሕብ’ያ

ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ኣምባሳደራታ ክትስሕብ’ያ

Radio Erena: 29 June 2017

Emassy South Sudan

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራቱ ክስሕብ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ዲፕሎማስውያን ምንጭታት ብዝህብዎ ዘለው ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ግብጺ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ህንድን ንዝርከቡ ኣምባሳደራቱ ዝስሕብ ዘሎ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው’ዩ።

ብ14 ሰነ ናብዞም ኣምባሳደራት ኣብ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ናብ ጁባ ክምለሱ ተኣዚዞም ምህላዎም ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ይጠቕሳ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ማዌን ማኮል ኣሪክ ንሮየተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ኣምባሳደራት ናብ ጁባ ክምለሱ ተጸዊዖም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ዝሰሓብሉ ዘለዉ ምኽንያት ግና ኣየነጸረን።

 መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ንዝበዝሑ ኣምባሳደራቱን ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ደሞዝ ከምዘይከፈሎም’ዩ ዝንገር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0