ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተታሕዙ ሓያሎ ኤርትራውያን ክትሰጎም ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena:12 October 2022

ደቡብ ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፈቲኖም ዝበለቶም ሓያሎ ዜጋታት ኤርትራ ክትሰጎም ምዃና ኣፍሊጣ።

ክፍሊ ኢምግረኢሽንን ዜግነትን እታ ሃገር፣ ብ11 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣስታት 20 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ከምዝታሕዙ ጠቒሱ።

መርበብ ሓበሬታ ዘ ስታር፣ ኣብ ክፍሊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ንሓላፊ ክፍሊ ኢምግሬሽን፣ ልዩተናንት ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ዝተታሕዙ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብቲ ዝመጽእሉ ቦታ ክምለሱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ክፍሊ፣ እቶም ኣብ ከባቢ ኮሎሎ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝተገልጹ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ዝተበገሱ ኮይኖም፣ ኣብ ሰሜናዊ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝርከባ ከተማታት በንቱይን ፖሎሽን፣ ብዘቤታዊ በረራ ናብ መዓርፎ ነፈርሩ ጁባ ክኣትዉ ዝፈተኑ ‘ዮም።

ሕጋዊ ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ከምዘይጸንሖም ዝገለጸ ጀነራል ቢያር፣ ሓደገኛታት ክኾኑ ስለዝኽእሉ፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ክንሰጎም ኢና ክብል’ዩ ደምዲሙ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ንግድን ወፍሪን ዝተዋፈሩ ብዙሓት ኤርትራውያን እኳ እንተለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ንደቡብ ሱዳን ሰጊሮም ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

ኡጋንዳ ብወገና፣ ዝሓለፈ ሰሙን ‘ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም’ ንዝበለቶም ልዕሊ 116 ኤርትራውያን ቀይዳ ኣላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0