ልዕሊ 10 % ካብ ህዝባ ተጸባይ ረዲኤት ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ስርናይ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትሸይጥ’የ ትብል

Radio Erena: 10 October 2022

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ስርናይ ንወጻኢ ሃገራት ምሻጥ ክትጅርም ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክር ሕርሻ ስርናይ፣ ብ9 ጥቅምቲ ኣብ ዝተዓዘበሉ ኣጋጣሚ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ኣስታት 10% ካብቲ 110 ሚልዮን ዝግመት ህዝባ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፈር፣ ሶማልን ኦሮሞን ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ኣማኢት ሰባትን ጥሪትን ከምዝሞቱ ኣህጉራውያን ጸብጻባት የረጋግጹ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ኣብ ታሪኻ ተደጋጋሚ እዋን ዘጋጠማ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምካት፣ ሕቡራት ሃገራት ኣማኢት ኣሽሓት ሜትሪክ ቶን ረዲኤት የውሕዘላ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዩክሬይን ዝሸመቶ ረዲኤት ዝጸዓና ሓሙሽተ መራኽብ ናብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝተኣተዋ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ንባዕላ ምስ ሩስያ ኣብ ከቢድ ኵናት ገጢማ ዘላ ዩክሬይን፣ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ተኸሲቱ ንዘሎ ደርቂ ዝውዕል 50 ሽሕ ቶን ስርናይ ለጊሳ።

ብኵናት፣ ደርቂን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ‘ስርናይ ናብ ውጻኢ ሃገራት ክንሸይጥ ኢና’ ንዝበል መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ህዝባ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህበሉ ኣሎ።

ስእሊ፣- ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0