ደቡብ ሱዳን፣ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ወዲቓ፣ ብምሉኦም ተሳፈርቲ ድሒኖም

Radio Erena: 22 March 2017

south Sudan plane

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ 43 ተሳፈርቲን ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ጽዒና እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብሰኑይ 21 መጋቢት ወዲቓ።

እታ ነፋሪት፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ዋኡ ክትዓለብ እናተቓረበት፣ ብሰንኪ ግመ ዝዓብለሉ ኩነታት ኣየር፣ መንሸራተቲ ብምስሓታ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እንተኾነ ኣብቶም 43 ተሳፈርቲ ይኹን ኣብረርቲ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ነፈርቲኣብ ዝወረደ ከቢድ ጉድኣት ከምዘይነበረ ተሓቢሩ።

ፈኵስ ማእሰይቲ ዝወረደኦም ሽዱሽተ ዝኾኑ ተሳፈርቲ ህጹጽ ሕክምና ተጌርሎም ነናብ ጉዳዮም ከምዝተፋነዉ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0