ፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

Radio Erena: 22 March 2017

Dji Ethio

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዘካየደ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ 16 ክሳብ 18 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብምርኻብ፣ ኣብ መንግኦም ዘሎ ክልትኣዊ ዝምድና ናብ ዝልዓለ ደረጃ ንምድያቡ ከምዝተዘራረቡ እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ እቶም መራሕኢ፣ ብገበን ንዝድለዩ ሰባት ኣብ ምርኽኻብን ኣብ መዳይ ሕጊ ዘድሊ ምትግጋዝ ክህሉን ኣብ ዝብል ነጥብታት ስምምዕ ከቲሞም።

ብዘይካ’ዚ እቶም መራሕቲ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት፣ ናይ ህዝብን ኣቑሕን ናጻ ምንቕስቓስ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፣ ነቲ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ጅቡቲ ጀሚሩ ዘሎ መጓዓዝያ ባቡር ስሉጥ ኣገልግሎት ክህብ ኩሉ ጻዕርታት ክካየድ ተረዳዲኦም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ብሓባር ንምምካቱ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ብሓባር ደው ክብላ’ውን ጸዊዖም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0