ደቡብ ሱዳን፣ ብፈተነ ቅትለት፣ ጳጳስ ክክኾኑ ንዝተመዘዙ ካህን ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ካህናት ተኣሲሮም

Radio Erena: 30 April 2021

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ሩምቤክ፣ ጳጳስ ክኾኑ ንዝተመዘዙ ካህን ንምቕታል ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ካህናት ከምዝተኣስሩ ኣገልግሎት ዜና ካቶሊክ ገሊጹ።

ክልተ ዕጡቓት፣ ብ26 ሚያዝያ፣ ናብ መንበሪ ቤት ናይቶም፣ ጳጳስ ክኾኑ ዝተመዘዙ ኣቡነ ክርስትያን ካርላሳር፣ ብምእታው ሃንደበታዊ ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ እቶም ካህን ካብ ሞስት ንስክላ ከምዝደሓኑ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ኣብ መሓውሮም መውጋእቲ ዘጋጠሞም ወዲ 43 ካህን፣ ንተወሳኺ ሕክምና፣ ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተላኢኾም ኣለዉ።

ነቲ ፈተነ ቅትለት፣ ብድሕሪት ኮይኖም ከምዘዋደዱ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ካህናት፣ ምስቶም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ዕጡቓት ዘካየድዎ ናይ ሞባይል ቴሌፎን ዝርርብ ከም ቀዳማይ መርትዖ ቀሪቡ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ጥርጡራት፣ ነቶም ብጳጳስ ፍራንሲ ተመዚዞም፣ ብ16 ሚያዝያ ናብ ደቡብ ሱዳን ሱዳን ዝመጹ ካህን ብምቅዋም፣ ንባዕሎም ጳጳስ ናይ ዞባ ሩምቤክ ንምዃን ድሌት ከምዝነበሮም’ዩ ተሓቢሩ።

ካህን ክርስትያን ካርላሳር፣ ኢጣልያዊ ኮይኖም፣ እቶም ንሽመት ጵጵስናኦም ኣብ ዞባ ሩምቤክ ብምቕዋም፣ ኣብ ልዕሊኦም ፈተነ ቅትለት ከምዘካየዱ ዝተጠርጠሩ ድማ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን’ዮም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0