“ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ግብጺ ዘለዋ ዝምድና ንኢትዮጵያ ዝምልከት ጉዳይ ከምዘይኮነ ገሊጻ”

Radio Erena: 11 June 2020

ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ንኢትዮጵያ ዝምልከት ጉዳይ ከምዘይኮነ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣንጀሊና ቴኒ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብ ጁባ ሓቢረን።

እታ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኣ፣ ደቡብ ሱዳን ንግብጺ ወትሃደራዊ መዓስከር እንተፈቒዳትላ’ውን ንኢትዮጵያ ከምዘይምልከታ ጠቒሳ።

ንሳ ነዚ መግለጺ ትህብ ዘላ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ንግብጺ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ከይትፈቕደላ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ ዝብል ዜና ክቃላሕ ድሕሪ ምቕናዩ’ያ።

ኢትዮጵያ መጠንቀቕታ ጥራይ ዘይኮነ፣ ክሳብ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ከምዝሃደደት ዘረጋገጸት ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ግብጺ ዝህሉ ዝኾነ ዓይነት ርክብ፣ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ጥራይ ክሕደግ ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ።

ኢትዮጵያን ግብጺን ብጉዳይ እቲ ኣብ ከባቢ ናይል ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ጉዳይ ካብ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ሓሊፉ ናብ ወትሃደራዊ ጎነጽ ክሰጋገር ከምዝኽእል ይትንተን’ዩ።

ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ናይል ምስ ዝርከባ ሃገራት ዝጸንሓ ኩሉ መዳዊ ዝምድናታት ንምዕባይ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0