ድሕሪ ቅትለት ፍሎይድ፣ ህዝብታት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎም ኣጠማምታ እንታይ ይመስል?

Radio Erena: 10 June 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዘለዎም ኣተሓሕዛ ከመይ ትግምግምዎ?

ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታን ዘለዎም ኣጠማምታ ኸ?

ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ፣ ህዝብታት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎም ኣጠማምታ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል ዛዕባ፣ ሓያሎ ሃገራይ ብዓሙቕ ይዝትያሉን ይግምግማን ኣለዋ።

ብፍላይ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ሕጊን ስርዓትን ከኽብር ዝዋፈር ሓይሊ ፖሊስ፣ ጎነጽን ዓሌታዊ ኣድልዎን ይፍጽም ኣሎ ዝብል ወቐሳታት እናዛየደ ከምዝመጸ ይዝርበ’ዩ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ መሊሱ ንዝተጎሃሃረ ኣርእስቲ፣ ሓይሊ ፖሊስ ከመይ ኣሎ? ኣብ ዝብል ብደረጃ ሃገር፣ ድምጺ ናይ ምእካብ መስርሕ ተኻይዱ።

85% ካብቲ ዝተኣከበ ድምጺ፣ ህዝቢ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎ ኣጠማምታ እወታዊ’ዩ።

15%፣ ፖሊስ ፈረንሳ ሞያዊ ብቕዓት ዝጎደሎም፣ ጎነጻውያንን ኣብ ዓሌትን ጾታን ዝተመርኮሰ ኣድልዎ ዝፍጽሙን ዝብል ርእይቶ’ዮም ኣስፊሮም።

ኣብ ፈረንሳ፣ ኣብ ሓምለ 2016፣ ኣዳማ ትራኦረ ዝተባህለ ናይ ማሊ መበቖል ዘለዎ መንእሰያ፣ ብፖሊስ ብሕማቕ ተታሒዙ ናብ ማእሰርቲ እናተወስደ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ዝዝከር’ዩ።

ኣብዚ ዓለምና ንኣቀታትላ ጆርጅ ፍሎይድ ንምኹናን ተቓውሞታት ተስምዓሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ፈረንሳ’ውን ንጆርጅ ፍልይድን ኣዳማ ትራኦረን ብምምስሳል’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0